© Copyright 2020-2024 kulu1.com
ጀጋኑና
ታሪኽን ቅያ ጀጋኑ ተጋሩ ተወጊዑ ተዘሪቡሉ ጥራሕ እንተይኮነስ ተፃሒፉ እውን ዘይውዳእ ባሕሪ እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ መዋእል ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ታሪኽ ሰሪሖም ሓሊፎም እዮም። ኣብዛ መፅሓፍ ዝተገለፁ ተጋሩ ድማ ኣብተን ዝተኻየዳ ናይ 17 ዓመታት ቓልሲ ካብቶም ዝተሰውኡ ኣስታት 60,000 ሰማእታት ትግራይ ከም ኣብነት ንምግላፅ እምበር ቅያ ጀጋኑ ተጋሩና ብጣዕሚ ዘገርሙን ንምእማኖም ዘፀግሙን ስራሕቲ ሰሪሖም እዮም።
እዛ መፅሓፍ መበገሲት እምበር መዛዘሚት ኣይኮነትን። ገና ድማ ታሪኽ ጀጋኑ ኣያታትና ክፃሓፍ እዩ። ሓደ ኢልካ ክልተ ስለዝብሃል እቲ ምስናድ ታሪኽ ጀጋኑና በዚ ጠጠው ዘብል ዘይኮነስ ገና ብርክት ዝበሉ መፃሕፍቲ ናብ ህዝቢ ክቀርቡ እዮም። ምኽንያቱ ጀጋኑ ትግራይ ሓደን ክልተን ዘይኮኑስ ብኣሽሓት ዝቑፀሩን ታሪኾም ድማ ህያው እዩ።
ኣብዛ መፅሓፍ ካብ ዝተገለፁ ታሪኻት ጀጋኑና ገለ ገሊኦም ቅድም ክብል ዘይተዘረበሎምን ዘይተዳህሰሱን እዮም። ገለ ገሊኦም ድማ ሰብ ታሪኽ ብህይወት እንዳሃለዉ እቲ ታሪኽ ብጌጋ እንዳተሰነደን እንዳተገለፀን ፂኒሑ ሕዚ ግና ነቶም ስብ ታሪኽ ደልየ ብኣካል ብምርካብ ኣብ ክሊ ምፅራይ ታሪኽ ጀጋኑና ልዑል ፃዕሪ ዝገበርኩላ እያ።
ብሓፈሻ ጀጋኑና ኣብ ሃልሃልታ ሓዊ ዝነበሮም ወነን ሕራነን ከምኡ ድማ እንትስውኡ እንተለዉ እታ ናይ መወዳእታ ቃሎም እንታይ ከም ዝነበረት ንምግላፅ ፈቲነ ኣለኹ።
ኣብዛ መፅሓፍ ካብቶም መገረምቲ ፍፃመታት ኲናት ሸራሮ 12000 ሰራዊት ኢድዩ ምስ 70 ተጋደልቲ ዝገጠሙሉ መስተንክራዊ ዛንታ መራሒ ሓይሊ ንርአ፣ ኣማረ ታረቀ፣ ጃዕፈር ካልኦትን ከምኡ ድማ ተጋደልቲ ትግራይ ንህዝባዊ ግንባር ንምድሓን ኣብ ባርካ፣ ናቕፋ፣ ሳሕል ዝገበርዎ ምስተንክር ታሪኽ እኒ ብርሽዋ ተጠምቀ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ናይ 30 ጀጋኑ ተጋደልቲ ትግራይ ታሪኻት ዝሓዘት መፅሓፍ እያ።
እንተ ኣነ ግን ትግራይ ወላዲት ጀጋኑ ጥራይ እንተይኮነትስ ኣብ ከርሳ ክንደይ ጀጋኑ ዝሓቆፈት ዝያዳ ተፈታዊን መኹሪዒትን ኣዶ እያ ኢለ ክዛዝሞ።
$30.00

Description

Reviews (0)
Only logged in customers who have purchased this product may leave a review.
More Offers
No more offers for this product!
Reviews
There are no reviews yet.