ትውፊታትና
እዛ ”ትውፊታትና” ዝተሰየመት መፅሓፍ ብኣርባዕተ ምዕራፋት ዝተኸፋፈሉ ዓበይቲ ርእሲታት ዝሓዘት ኣብ ትሕቲ ነብሲወከፍ ምዕራፍ ዕስራን ክልተን ንኡሳት ትሕዝቶታት ዘለውዋን ሰላሳን ሽዱሽተን ተወሰኽቲ ገለፅቲ ስእሊታት ዘካተተትን ኮይና መቦቆልን ረብሓን ስነቃል ፣ ቃላዊ ግጥሚታት፣ዝርዝር ናወቲታት ዜማን ድርፍን ስነፅሑፋዊ ትሕዝትኡን ብሓፈሻ ምስ ምዕቃብ ባህልን ሓድግታትን ትግራይ ዝተዛመዱ ዛዕባታት እትግልፅ ኮይና ሓደ ብሓደ ተተንቲኖም ዝቐረቡላ መፅሓፍ እያ።
መፅሓፍ ትውፊታትና ክብሪታት ፣ ፀጋታትን ብርቅነታዊ ውርሻ ሕሉፋት ኣበው ንዘለና ክህሉ ንመፃኢ ወለዶ ከምሰንሰለት ኣተኣሳሲሩን ድልድል ኮይኑን ከሰጋግር ብዝከኣል ደረጃ ፣ ትሕተባህልን ካብ ባህሊ ምሕንጋድን ዝንቀሳቐሱ ተርእዮታት ብያታዊ ደረጃ ብቐለም ዝገንሕ፣ብዘመናዊ መንገዲ ድማ ስነፍልጠታዊ ብዝኾነ ደረጃ ብዛዕባ ቋንቋን ኣገላልፅኡን፣ ዜማታት ናውቲ ድርፊታትን እንታይ ከምዝመስሉን ኣብ ምዕቃብን ምልላይን ናይ ባዕላ ግደ ክትፃወት ከምእትኽእል ዝተደረሰት እያ።
$18.76
