Laconic spoken English
እንግሊዘኛ ቋንቋ ብተፈጥሮ ፍሉይ ውህብቶ ንዘለዎም መምህራን፣ተምሃሮን ካልኦት ተዛረብትን ቀሊል ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ይኹን እምበር ንዝበዝሕ ሰብ ግና ከቢድን መጨነቕን እዩ፡፡ ቋንቋ እንግሊዘኛ ተምሃራይ ኮይነ ብቆልዓይ ንባዕለይ እንትመሃር፣መምህር ኮይነ ንህፃውንቲ ልዕሊ 10 ዓመት እንግሊዘኛ እንተምህር፣ቋንቋ ማእኸላት እንትመሃርን እንትዕዘብን፣ናይ ቋንቋ መምህር ኮይነ ዓበይቲ ተምሃሮ እንተምህር፣ ርእሰ መምህር ኮይነ ኣብ ናይ ቋንቋ መምህራን ክፍሊ ምልከታ/Supervision/ እንትገብርን ዝተረዳእኹዎ እቲ ቀንዲ ፀገም መምህራንን ተምሃሮን ቋንቋ ኣብ ዝርርብ ኣጠቓቕማ ቃላትን ሓረጋትን /expressions/ እዩ፡፡ ስለዚ እዛ መፅሓፍ እዚ ዝተፈላለዩ ናይ እንግሊዘኛ ኣገላልፃታት ካብ ዝተመረፁ ናይ እንግሊዘኛ መፃሕፍቲ፣ናይ እንግሊዘኛ ፍልሚታትን ቋንቋ ማእከላትን ዝተሓረዩ ኣገላልፃታት ብቀጥታ ትርጉም እተምህር መፅሓፍ እያ፡፡
$20.00
