ለባም አድጊ

ለባም ኣድጊ እትብል መፅሓፍ ህፃናት ደቅና ጭካነ ዝተመልኦምን መፍራሕቲ ፊልምታትን ካልኦት ዘየድልዩ ምርኢታትን እናረኣዩ ካብ ዝውዕሉ፣ካብኣቶም ድማ ሕማቕ ምስሊ ካብ ዝመሃሩ ብቆልዐኦም ትዕግስቲ፣ ፅቡቕ ሰነ ምግባር፣ ብልሓትን ኣፈታትሓ ፀገምን ንክመሃሩ ወለዶም ካብዚ መፅሓፍ ዘዝተወሰነ ንክንብብሎምን ንክመኽርዎምን ዝተዳለወት እያ፡፡ኣብ ዓድና ከምዚ ንህፃናት ዝመክር ፣ዘምህር፣ ትዕግስቲ፣ፅቡቕ ሰነ ምግባር፣ ብልሓትን ኣፈታትሓ ፀገምን ዘስንቅ፣ ንምንባብን ንምስትውዓልን ዝዕድም መፅሓፍ ብዙሕ ኣይርከብን፡፡ስለዚ እዛ መፅሓፍ እዚኣ ንህፃናት ደቅና ወለዲ ቅድሚ ድቃስ ኩሉ ግዘ ደጋጊሞም ንከንብብሎምን ብትክክል ምድማፆም ብዝቀረቡ ሕቶታት ፈቲኖም ከረጋግፁ፣ ሕድ ሕድ ርእሲ ዝሓዞ ምኽርን መልእኽትን እናነገሩ ብድሕሪኡ ዝሓደሮም ስነ ምግባራዊ ስርፀት ዝከታተሉላ መፅሓፍ እያ፡፡

$18.44