ሰማያዊ ዜጋ
ሰማያዊ ዜጋ ካብ ዝብል መፅሓፍ እቲ ኩላትና ተስፋ እንገብረሉ ምድራዊ ሓሊፉ ሰማያዊ ኣምላክ ዘዳለዎ ንዘልኣለም ብህይወት ዝንበረሉ ቦታ ዜጋ ኮይንካ ንምንባር ዘድሊ ንሰማያዊ ሃፍቲ ንቅድስና ዘብቅዕ ብኣምላክ ዝተወሃበና ክንኣምኖን ክንትግብሮን ዝግበአና ቁምነገራት አጠቃሊሉ ዝሓዘ ሓምሽተ ኣእማደ ምስጢር ናይ እግዚአብሔር ቃል መሠረት ብምግባር ክንመሃር ኢና።
ናይ እግዚአብሔር ሓደነትን ሰለስተነትን ምእማን። እግዚአብሔር ወልድ ንዓና ንምድሓን ሥጋ ምውሃዱ ምእማን። ብጥምቀት ዳግም ንምውላድ መንግስተ ሰማያት ንምእታው ምጥማቅ። ብናይ ጎይታ ቅዱስ ሥግኡን ክቡር ደሙን ዘልኣለማዊ ህይወት ዝርከብ ምዃኑ ኣሚንዃ/ኪ ምቁራብ። ከምኡ ድማ በኩሪ ትንሳኤና ዝኾነ ጎይታ መሠረት ገይርና ድሕሪ ሞት ንዘልኣለም አብ መንግስተ ሰማያት ከምንነብር ኣሚና ስንቂ ዝኾነና ናይ ፅድቂ ስራሕ ክንሰርሕ ከምዝግባእ ይሕብረና።
$21.94
