ሳሌም

ስነ ፅሑፍ ደወል ህይወት’ዩ።ኣብ ውሽጥኻ ዝተሰወረ ጥበብ ብዝ/ዩ ኣቀራርባን ሞያታትን ድማ ኣብ ልዕሊ ወድ ሰብ ናይ ሓዘን ይኹን ናይ ታሕጓስ ቁጠዐ ይኹን ትዕግስቲ ኮታስ ዝ/ዩ ስምዒታት ብምፍጣር ከም ክእለትን ቅኒትን እቲ ደራሲ ተጠቒሙ ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ፅዕንቶ ዝፈጥር እዩ። ካብኣቶም ድማ ሓደ ግጥሚ እዩ።ኣነ ድማ በታ ዘላትኒ ክእለትን ዓቕምን ተጠቒመ እዛ ሳሌም እትብል መፅሓፍ ብመልክዕ ግጥሚ ኣዳልየ ኣለኹ።እዛ መፅሓፍ እዚኣ ድማ: ንህይወትና ኣገደስቲ ዝኾኑ ግን ድማ ብዙሕ ግዜ ትኹረት ዘይንገብረሎም፣እናፈለጥናዮም’ውን ሸለል እንብሎም ዛዕባታትን ካልኦት ቁም ነገራትን ዝሓዘት እያ።ዕላማ እዚ ፅሑፍ ድማ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት መብዛሕትኡ ወድሰብ ካብ ማሕበራዊ ህይወትን ካብ መንፈሳዊ ህይወትን ወፂኡ፣ነውርን ንውርን እናሓዋወሰ ኣብ ካልእ ዓንኬል ተፀሚዱ ስለ ዘሎ ወድ ሰብ ከም ሰብ ክሓስብን ንኹሉ ሰብ ድማ ብማዕረ ክርእን እትምዕድ መፅሓፍ እያ።ብኻልእ መዳይ ድማ ቁጠባውን ማሕበራውን ርክባትና ከመይ ክኾን ከም ዘለዎ እትምዕድ መፅሓፍ እያ።

$21.24