ተረፍ ዓረር

መፅሓፍ “ተረፍ ዓረር” ብደራሲ ተጋዳላይን መምህርን ኣብራሃም ካሴ ኣበጋዝ ዝተፅሓፈት መፅሓፍ እትትኸውን ቀንዲ ትሕዝቶታት እታ መፅሓፍ ድማ እቲ ደራሲ ኣንፃር ፅንታዊ ኲናት ትግራይ ናብ ቃለሲ ወፊሩ ክሳብ ብኽብሪ ካብ ሰራዊት ትግራይ ዝሰናበት ኣብቲ ከይዲ ቃልሲ ዝተዓዘቦም ፍፃመታት፣ ውልቃዊ መዘክራት ጉዕዞ ቃለሲ፣ ኣብቲ እዋን ህዝባዊ መኸተን ድሕሪ ምፍራም ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያን ዝነበሩ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊን ማሕበራውን ኩነታት፣ ኣብ ዝተመረፁ ርእሰ ዋኒናት ዘድሃቡ ውልቃዊ ሂሳዊ ትንተናታት ዝሓዘት ምፅሓፍ እያ፡፡
እዛ መፅሓፍ 233 በዝሒ ገፃት ዘለውዋ እንትትኾን ንዞም ዝተጠቐሱ ርእሰ ዋኒናት ብ16 ርእስታት ንባባባት ጠሚራ ብምሓዝ ብመልክዕ ወግዓዊ ፅሑፍ፣ መዘክር ጉዕዞ፣ ትዕዝብቲን ሂሳዊ ትንተናን ብዝብሉ 4 ዓይነታት ስነ-ፅሑፍ ዝቐረበት እናዋዘየት ቁውም ነገር እተምህር መፅሓፍ እያ፡፡ እዛ መፅሓፍ ታሪኽ ፣ ባህልን ስነ-ፅሑፍን ኣብ ምዕቃብ ናይ ባዕላ ግደ ከምዝህልዋ ብምእማን ልዕሊኹሉ ድማ ተጋሩ ከምልማድ ተቐቢሎም ዝነብሩዎም ተልሚዳት ምልስ ኢሎም ክሓቱን ድሕሪ ምዝሓል ፅንታዊ ኩናት ብኣወንታዊ ጣዕሳ ናብ ተግባራዊ ስራሕ ብምእታው ክልዓሉን ኣብ ምግባር ናይ ባዕላ ዝኾነ ግደ ክትፃወት ብተስፋ እቲ ደራሲ ዝተፅሓፈት ፈላሚት መፅሓፉ እያ፡፡ ሰናይ ንባብ፡፡

$29.62

Description

Reviews (0)

Reviews

There are no reviews yet.

Only logged in customers who have purchased this product may leave a review.

More Offers
No more offers for this product!