ትውፊታትና

እዛ ”ትውፊታትና” ዝተሰየመት መፅሓፍ ብኣርባዕተ ምዕራፋት ዝተኸፋፈሉ ዓበይቲ ርእሲታት ዝሓዘት ኣብ ትሕቲ ነብሲወከፍ ምዕራፍ ዕስራን ክልተን ንኡሳት ትሕዝቶታት ዘለውዋን ሰላሳን ሽዱሽተን ተወሰኽቲ ገለፅቲ ስእሊታት ዘካተተትን ኮይና መቦቆልን ረብሓን ስነ߻ቃል ፣ ቃላዊ ግጥሚታት፣ዝርዝር ናወቲታት ዜማን ድርፍን ስነ߻ፅሑፋዊ ትሕዝትኡን ብሓፈሻ ምስ ምዕቃብ ባህልን ሓድግታትን ትግራይ ዝተዛመዱ ዛዕባታት እትግልፅ ኮይና ሓደ ብሓደ ተተንቲኖም ዝቐረቡላ መፅሓፍ እያ።
መፅሓፍ ትውፊታትና ክብሪታት ፣ ፀጋታትን ብርቅነታዊ ውርሻ ሕሉፋት ኣበው ንዘለና ክህሉ ንመፃኢ ወለዶ ከምሰንሰለት ኣተኣሳሲሩን ድልድል ኮይኑን ከሰጋግር ብዝከኣል ደረጃ ፣ ትሕተ߻ባህልን ካብ ባህሊ ምሕንጋድን ዝንቀሳቐሱ ተርእዮታት ብያታዊ ደረጃ ብቐለም ዝገንሕ፣ብዘመናዊ መንገዲ ድማ ስነ߻ፍልጠታዊ ብዝኾነ ደረጃ ብዛዕባ ቋንቋን ኣገላልፅኡን፣ ዜማታት ናውቲ ድርፊታትን እንታይ ከምዝመስሉን ኣብ ምዕቃብን ምልላይን ናይ ባዕላ ግደ ክትፃወት ከምእትኽእል ዝተደረሰት እያ።

$18.76