ኢንዱስትርያላዊ ቃልሲ ዎያነ ትግራይ

እዚ መጽሓፍ ብዋናነት ብዛዕባ እንታይነት ስያመ እዚ መጽሓፍ ዝገልጽ “ትርጓመ ኣርእስቲ እዚ መጽሓፍ” ብዝብል ኣርእስቲ፣ ብዛዕባ ዓለም ዝመጽአቶን ዝኸደቶን ኽያዶታት ዝገልጽ “ኢንዱስትሪያዊ ወያነ ዓለም” ብዝብል ኣርእስቲ፣ እንታይነት ቓልሲን ናይ ኣተሓሳስባ ለውጥን ኣብ ትግራይ ዝገልጽ “ኢንዱስትሪያዊ ቓልሲ ትግራይ” ብዝብል ኣርእስቲ፣ ኣብ ትግራይ ዝተነዝሑ ፕሮፖጋንዳታት ዝገልጽ “ኢንዱስትሪያዊ ፖለቲካ ትግራይ” ብዝብል ኣርእስቲ፣ ብዛዕባ ካብ ናይ ብዙሓት ሰባት ተሞክሮ ዝተወስደ ፍልጠት ዝገልጽ “መልእኽቲ እንካብ ኣቦታትናን ኣዴታትናን ትግራይ” ብዝብል ኣርእስቲን ከምኡድማ ብዛዕባ ስራሕትታት ትግራይን ተጋሩን ዝገልጽ “ታሪኽ ኢንዱስትሪታት ትግራይ” ብዝብል ኣርእስቲን ኣጠቓሊሉ ብዝተወሰነ መልክዕ ዝገልጽ መጽሓፍ እዩ።
እዚ መጽሓፍ እዚ ንክጽሕፎ ዘለዓዓለኒ መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ ምኽንያት ብምግባር ብዕለት 15 ሰነ 2013ዓ.ም ኣብ ዓለምለኻዊ መርበብ/Internet/ ዝዘርጋሕክዋ “መደባዊ እማመ ኢንዱስትሪያዊ ወያነ ትግራይ /ምውላዕን ምቅጽጻልን ሰለማዊ ህዝባዊ ቓልሲ ኢንዱስትሪያዊ ወያነ ትግራይ/” ዝብል ስያመ ዝተውሃባ መቃለሲት መደብ እንትኸውን መብዛሕትኦም ሓሳባት ቅድሚ ሐዚ ዝተጽሓፉን ካብ ዝተፈላለዩ ሰነዳትን ጽንዓታትን ተሰባሲቡ ብዝርድኣኒ ቋንቋ ተመሓይሹ ዝተጽሓፈ እንትኸውን ንምጽሓፍ መበገሲ ዝኾኑኒ እቲ ፍልፍሎም ድማ ኣብ ልዕለ-ውራቕ ወይድማ “[]” ኣብ ዝብል ውሽጢ ቑጽሪታት ተዋሂብዎም ኣሎ። በቶም ቑጽርታት መሰረት ድማ ኣብ መወከሲ ዝብል ኣርእስቲ ብምኻድ ምርካብ ይክኣል። ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ውልቃዊ ርድኢት እውን ዝሓዘ እዩ። እቲ ውልቃዊ ርድኢት እውን ካብ ትምህርቲ ዝተረኸበ፣ ካብ ኸባቢየይ ዝተዓዘብክዎን ካብ ዘለትኒ ንእሽተይ ልምዲ ዝተረኽበ ዝውቱር ፍልጠትን ዘንጸባርቕ እዩ። እዚ ውልቃዊ ርድኢት ብፍላይ ኣብ “ኢንዱስትሪያዊ ቓልሲ/ወያነ ትግራይ”ን “ኢንዱስትሪያዊ ፖለቲካ ትግራይ”ን ብዝብል ዝቐረቡ ኣርእስቲታት ብሰፊሑ ይርከብ። መብዛሕታኦም ውልቃዊ ርድኢታተይ ኣካል ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኮይነ ኣብ በረኻታት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ኾይነ ካብ ዝጽሕፎ ዝነበርኹ መዘኻኸሪ ደፍተር/ዲያሪ/ን ተወጊአ ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ሰራዊት ትግራይ/ኣዋሽ ሕክምና/ ኾይነን ስለዝሓፍክዎም ኣብ ስምዒት ጥራሕ ኣትየ ዝጸሓፍክዎም ከይኾኑ ምዕዛብ የድሊ እዩ።

$34.93

Description

Reviews (0)

Reviews

There are no reviews yet.

Only logged in customers who have purchased this product may leave a review.

More Offers
No more offers for this product!