ኣውርስ

ኣብ ቅንያት ኣሸንዳ እንሆ ህያብ ብርዒ ብሓዱሽ መፅሓፍ
ኣብ ተቐዲሑ ዘይነፅፍ ባሕሪ ታሪኽን ቅርስን ዘለዎ ዓዲ፣ኣብ እንተላማት ስነ ቓላትን ትውፊታትን ዘለዋ ትግራይ፣ኣብ ከርሳን ናሕሳን ብዝኸበሩ መዓድናትን ተካልኦት ተፈጥሮኣዊ ፀጋታትን ዝተዓደለት ቤትናን መረበትናን ትግራይ ብዙሕ ክበሃል፣ብዙሕ ክስነድን ክርአን ዝግብኦ ህያባት ኣሎ።
ካብ’ቲ ከምዚ ዝበለ ዓድን ህዝብን ተፈጢርካ ብልክዕ እቲ ቀዳሞት ወለዲ ዝነበሮም ጥበብን ስልጣነን ኳ ምስራሕ እንተዘይተኽኣለ ብልክዕ እታ ዓቕምኻ እትፈቕዳ ብቅንዕናን ውፅኢታውነትን እንተሰሪሕኻ ንስኻ ዕውት ሰብ ኢኻ።
እንሆ እምበኣር ኣብ መኣዲ ስነ ፅሑፍ ካብ ዝኣተኹሉ ግዜ ጀሚሩ ዝተፈላለየ ርእሰ ጉዳይ ማእኸል ዝገበሩ ክሳብ ሕዚ 14 መፅሓፍቲ ፅሒፈ ብምሕታም ንንባብ ኣብቂዐ እየ። ሕዚ ድማ ኣብ መኣዲ ስነ ቓል ብፍሉይ ድማ ኣብ ኣሸንዳን ኣውርስን ትኹረት ዝገበረ ብስፍሓትን ብዕምቆትን ድማ ኣብ ባህል ፀዋታን ኣውርስ ትኹረቱ ዝገበረ ሓዱሽ መፅሓፍ “ኣውርስ” ብዝብል ርእሲ ተዳልዩ ኣሎ።እቲ መፅሓፍ ምስበዓል ኣሸንዳ 2018 ዓ/ም ተፀንቢሩ ክምረቕ እዩ። ድሕሪ ምረቓ ድማ ብkulu1.com ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ንዘለኹም ንንባብ ከምዝበቅዕ ከበስረኩም እደሊ።
ምስዝኸበረ ሰላምታይ
(ደራስን ጋዜጠኛን ገ/ሚካኤል ኪዱ)

$23.48