ዛ,ሓማድ ኣጎዛ
ሓረስታይ ትግራይ ቆፍኡ ነጊፉ ዘሪእዎ ዝከረመ ኣዝመርኡ ክእክብ ክዓፅድ ክዘብጥ እናተሸባሸበ እንከሎ ዘጋጠመ ፅንተታዊ ወራር ምዃኑ ነዓኹም ምንጋር ንቀባራይ ምርዳእ እዩ::
ይኩን እንበር ተስፋ ሰኒቁ ዓይኒ ዓይኑ ክሪኦ ዝከረመ ዝራእቱ ፃዕዳ ቀውዒ ክኾነሉ እናተመነየ እንከሎ ተስፍኡ ዘፅልምት ሃፍተ ጥሪቱ ዝዘምት ህፃን ሽማግለ ዘይብል ኣብ ቆልዓ ሰበይቲ ዝሽድን ማህፀን ወላዳት ዘራኽስ ከም ከልቢ ብዕስለ ዝጋሰስ ዘይንቡር ነውሪ ዝፍፅም ሕጊ ኣልቦ ንቡር ዘይፈልጥ ከተማን ገጠርን ዘብርስ ሓመድን እኽሊን ዝሓዋውስ ሬሳ ሰብን እንስሳን ዘይቐብር ዘየቕብር ዓይኑ ሓዊ ዝተፍእ ሓሳድ ደም ዝፀምኦ ካብቱይ ካብቱይ ዝተኣኻኸበ ዑሱብ ሰራዊት ልፍንቲ ሕዱር ፅልኢትን ስሱዕ ሸውሃትን ከማልእ ከተማን ገጠርን ሓዊ ነዲደን ቀትሪ ናብ ፀልማት ለይቲ ናብ ገሃንም ተቀይረን ምደረ ተጋሩ ማዓት ፈሲስዎን ብደም ሰብን እንስሳን ጨቅያ ፍጡር ወዲ ኣዳም ዝቀብሮ ስኢኑ ፎቐድኡ ወዲቑ ኣደዳ ኣራዊት ኮይኑ ስክ ኢለ ክርኢ ሕልናይ ኣይፈቀደን::
$20.76
