ጓል ብልሕቲ

“ጓል ብልሕቲ” ዝብል መፅሓፍ ትግራይ ካብ 2013 ዓ/ም ክሳብ 2015 ዓ/ም ጀሚሩ ንዘጋጠማ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ንክምክቱ ናብ ቃልሲ ዝኣተው መናእሰይ ዝነበሮም ሕራነ፣ዝሰርሕዎም መስተንክራዊ ስራሕቲ ዘርኢ ታሪክ ጀጋኑ ዝሓዘት መፅሓፍ እያ፡፡ ኣብዚ እዋን ኲናት ህዝቢ ትግራይ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ መላምል ደቁ ከመይ ናብ ቃልሲ ከም ዘክተተ፣ብግልባጡ ከዓ ሳዕቤን ኲናት ከቢድ ምካኑ ዘርኢ ካብ ሓንቲ ኣብ ዞባ ምብራቅ ትግራይ፣ወረዳ ሳዕሲዕ ፃዕዳ እንባ ፣ጣብያ ሰንደዳ፣ ቁሸት እንዳወይዘሮ እትበሃል ኣቦ ሙዚቃ ትግርኛ ኣርቲስት ኪሮስ ኣለማዮህ ዝተወለደላ ንእሸተይ ከባቢ ጥራሕ 21 መናእሰይ ዝተሰውኡላ፣እሞ ድማ ክሳብ ካብ ሓንቲ ገዛ ክልተ ኣሕዋት፣ኣዝማድ ጎረቤት ጀጋኑ ስውኣት ሓፂር ህይወት ታሪኮም ዝሓዘት መፅሓፍ እያ፡፡

$18.42