© Copyright 2020-2024 kulu1.com
ጥበበኛ
ንስውእ ተጋዳላይ እያሱ በርሀ ገና ካብ ዕድመ ቁልዕነተይ ኣትሒዘ እየ ዝፈልጦ። ብኪነ ጥበባዊ ስራሕቲ እያሱ በርሀ እንዳተማሃርኩ እየ ተሃኒፀ ዓቢየ። ናይ ብሓቂ እያሱ ትግራይ መን እያ? ንዝብል ናይ ቁልዕነት ሕቶይ ብዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኪነ ጥበብ ገይሩ ክፈልጣ ዝገበረኒ ኣያ ጥበብ እዩ።
እያሱ ብስራሕቲ ኪነ ጥበብ ኣቢሉ ዘይዳህሰሶ ማሕበራውን ፖለቲካውን ነገር የለን። ኣብቲ ን17 ዓመታት ዝተኻየደ ዕጥቃዊ ቃልሲ ናይ ብሓቂ እያሱ ኣንደበት ህዝቢ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ናይ ልምዓት ውራይ እውን እንተኾነ ክሳብ ናይ ህይወት መስዋእትነት ምኽፋል ዝበፅሐ ጅግና ነይሩ።
እምበኣር እዚ ጅግና ታሪኹ ብኣግባቡ ተሰኒዱ ንወለዶታት ኣብ ክንዲ ምስግጋር ከምቲ ወለድና “ክንዲ ዘኾለስኩስ ኢደይ ተነኸስኩ” ኢሎም ዝመሰልዎ ኣብ ልዕሊ ታሪኽ እያሱ ፀሊም ነጥቢ ክግበረሉ ተፈቲኑ።
ብዝኾነ ነቲ ሓቀኛ መንነትን ታሪኽን እያሱ ኣብዛ ንእሽተይ መፅሓፍ ንምግላፅ ምፍታነይ ዓብይ ዕድሎት ገይረ እየ ዝወስዶ። ስራሕቲ ስውእ ተጋዳላይ እያሱ ከምቲ ንቃላይ ብማንካ ቀዲሕካ ዘይተንፅፎ ብዙሓት እዩም። ገና ድማ ናብ ህዝቢ ክቐርቡ እዮም።
ኣብዛ መፅሓፍ እዚኣ እያሱ ንፉዕ ተማሃራይ ምንባሩ፣ እያሱ ኣብ ስርዒት ከተማ ዝነበሮ ግደን ምንቅስቓስን፣ እያሱ ናብ በረኻ ምስ ወፀ ተዓሊሙ ኣብ ሓይልታት ተራ ተዋጋይ ኮይኑ ዝተኻፈለሎም ዓውደ ውግኣት፣ እያሱ ኣብ ክፍሊ ህዝብን ካልኦት ገድላዊ ምንቅስቓሳት፣ እያሱ ኣብ ኪነ ጥበብ ዝነበሮ ኣበርክቶ ድሕሪ ምግላፅ ኣብ መወዳእታ ድማ ንዓመታት ኣብ ልዕሊ ታሪኽ እያሱ ዝተዘርአ ፀለመ ጉሕለት መበገሲኡ እንታይ ከም ዝነበረን እያሱ በቲ ዝተወረየሉ ታሪኽ ዘይሓለፈን ብግልባጡ እያሱ ለጋስ ሓጋዚ ሰብ፣ እያሱ ፃዕራም ፈላጥ ተመራማርን ምንባሩ ብሰፊሑ ተገሊፁ ኣሎ። ብሓቂ ኣብ ልዕሊ እያሱ ዝተፈጠሩ ፀለመታትን ጥልመትን ክንደየናይ ከበድቲ ሙዃኖም ብምግቅላዕ እቲ ሓቂ ህዝቢ ንክፈልጦ ጭቡጥ መረዳእታታትን ሰነዳትን ኣዋዲደ ንምቕራብ ፃዕሪ ገይረ ኣለኹ።
$30.00

Description

Reviews (0)
Only logged in customers who have purchased this product may leave a review.
More Offers
No more offers for this product!
Reviews
There are no reviews yet.