© Copyright 2020-2024 kulu1.com
ፈትሊ ሓቂ
ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ካብ 1967 ዓ/ም ጀሚሩ ንህዝቢ ብምንቕቃሕን ብውዳብን ነቲ ነዊሕ ቃልሲ ሓደ ኢሉ ጀመረ። በቲ እዋን ዝነበረ ብሄራዊ ወፅዓን ደርባዊ ጭቆናን ከም ቀንዲ መፍትሒ ድማ ብረት ዓጢቕካ ምቅላስ መማረፂ ዘይነበሮ መስርሕ እዩ ነይሩ። በዚ ድማ እቲ ውድብ ብመስረቱ ኣቢሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ማገብት ዝብል ውዳበ መስሪቱ ቀፂሉ ድማ ናብ በረኻ ወፍሪ እንትጅምር ኣብ ደደቢት ናብ ተሓህት/ህዝባዊ ዝብል ቀየረ። ሕዚ እውን በዚ ደው እንተይበለ እቲ ዕላማ ናብ ህዝቢ ወሪዱ ሰራዊት ህወሓት እንዳሰሰን ምስ ከደ ብ1971 እዚ ውድብ 1ይ ጉባኤ ኣብ ማይ ኣባይ እንተሳልጥ እንኮላይ ነቲ ሽም ናብ ህወሓት ቀይሩ መሰስ በለ።
ህወሓት ኣብቲ ን17 ዓመታት ዝተገበረ ቓልሲ ንህዝቢ መሪሑ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእትን መውጋእትን ከፊሉ ብዓወት ዛዚሙዎ። እቲ ቃልሲ ድማ ቀንዲ ምሓውሩ ህዝቢ ስለዝነበረ እዩ ክዕወት ክኢሉ።
ሓደ ውድብ ከምቲ ኣውንታዊ ዕላማን ጉዕዞን ዘንበሮ ብኣንፃሩ ድማ ኣሉታዊ ጎንታት እውን ክህልዉዎ ግድን እዩ። ህወሓት እውን ኣብቲ ናይ 17 ዓመታት ቓልሲ ኩሉ ነገር ብብፅእና ፈፂማ ናብ ዓወት ዝበፀሕት ውድብ ኣይኮነትን። ብዙሕ ማሕለኽእታት ሰጊራ ብዙሓት ጌጋታት እውን ፈፂማ እያ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ ታሪኽ ህወሓት እንትለዓል ጥራሕ ነቶም ምዕቡላት ዝበሃሉ ፍፃመታት እንዳልዓልካ ህወሓት ጌጋ ዘይፈፀመ ውድብ ገይርካ ምስናድን ምዝራብን ዳግማይ ውድቀት የምፅአልና ኣሎ።
ሎሚ ሎሚ ኣብ መስኮት ቴሌቪዥን ከም እንዕዘቦ ታሪኽ ህወሓት ይዛብዑ ኣለው። እቲ ሓደ ካሊእ ይብል እቲ ሓደ እውን ካሊእ የምፅእ። ብመፃሕፍቲ ደረጃ እውን ነቲ ሓደ ታሪኽ ብኽልተ ኣንፈት እንዳተዋጠጡ ከምዚኣ እያ ነይራ ናብ ዝብሉሉ እዋን እውን በፂሕና። እቶም ሰባት ኣለው። እቲ ታሪኽ እውን ብዝተፈላለዩ ሰባት ተሰኒዱ እኒሀ። መን ንመን ዳኣ እዩ ክከሓሓድ። እንተኣነ እቲ ሓቂ ብጥርኡ እቲ ወለዶ ክፈልጦ እንተዝግበር ዝበለፀ ይመስለኒ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ወለዶ ነቲ ኣውንታ ዓቂቡ ነቲ ኣሉታዊ ድማ ተማሂሩሉ ክሓልፍ ዓብይ ድጋፍ እዩ ዝኾኖ። ነዚ ወለዶ ምሕባእ ክነምህሮ እንተበልና እዚ ወለዶ ናይ 60ታት ወለዶ ኣይኮነን ንዝተወሃቦ ኣሜን ኢሉ ዝቕበል። ነቲ ሓቂ ኣውፂኻ ምሕላፍ ነቶም ተፈጢሮም ዘለዉ ሕቶታት ምምላስ ከም ዝኸውን ኣየጠራጥርን።
እምበኣርከስ እዛ መፅሓፍ ነቲ ናይ 17 ዓመታት ቃልሲ ንምንሻው ዘይኮነስ ነቶም ቅድም ክብል ኣብቲ ቃልሲ ዝነበሩ ቀንዲ ፍፃመታት እንዳልዓልካ ነቶም ሎሚ ተዛቢዖም ዝዝረበሎም ዘለው ታሪኻትን ፍፃመታትን ጭቡጣት መርትዖታትን ሰነዳትን ሒዛ እንዳገምገምት ካብ ሕሉፍ ተማሂርና ኣብ ክሊ ምስራሕ ታሪኽን ኣብ ምስናድን ኣትኹርት ክንገብር ከምዝግበኣና እትምዕድ ለበዋቢት መፅሓፍ እያ።
$30.00

Description

Reviews (0)
Only logged in customers who have purchased this product may leave a review.
More Offers
No more offers for this product!
Reviews
There are no reviews yet.