© Copyright 2020-2024 kulu1.com
ፍቕሪ’ቲ ደራሲ
እዛ መፅሓፍ ከስሕቕ ኢለ ጥራሕ ኣይኮንኩን ፅሒፈያ። ንሕድሕድ ሰብ ምስ ዝፈጠሮ ፈጣሪ ዘለዎ ስውርን ዝገርም መንፈሳዊ ርክብ መሲጡኒ`ውን እየ ፅሒፈያ።
ሓይሊ ጥበብ ፈጢራ ነብሲ ወከፍ ህይወትናን ዝፈጠረናን (ዋና ደራሲና) እንተሪእናላ ታሕጓሰይ ወሰን የብሉን። ዝተፈጠርኩሉ ዕላማ እየ ገይረ።
ቕርፂ እቲ መፅሓፍ መድብል ሓፂር ልቢ ወለድ ክበሃል ይከኣል። ነዊሕ ልቢ ወለድ’ውን ከብሎ ዝኽእል ምትእስሳር ታሪኽ ኣለዎ።
‘መስ-ሓቂታት’ ዝበልኩሉ ምኽንያት እቶም ሓፀርቲ ልቢ ወለዳት ኮሚክ (Humor) ዓይነት ስነ-ፅሑፍ ብምዃኖም እቲ ሓደ እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ከስሕቑ ጥራሕ ከይኮነስ መረርቲ ሓቅታት ከም መስመስታ ‘መስ’ ዘብሉ ብምዃኖም’ውን እዩ መስ ኢለ ሰረዝ (-) ብምጥቃም ሓቅታት ኢለ ንኽልቲኡ ክጠምረለይ ብዝኽእል ‘መስ-ሓቂታት’ ክብሎ ዝመረፅኩ።
ኣብ ኣቀማምጣ ቃላትን ሓረጋትን እትረኽብዎም “ዘረባዊ” ኣገላልጻታት ካብዚ ከምዚ ዝበለ ባህሪ ናይቲ መጽሓፍ ብዝብገስ ዝተቐመጡ እዮም።
ቅዲ (ቴክኒክ) ኣፀሓሕፋይ ካብ ሕጊ ተፈጥሮ እየ ወሲደ ተጠቒመሉ። ፈጣሪ ብኣምሳሉ ንዓና (ንኩሉ ፍጡር) ቕልጢፍና ኾነ ደንጒና ንንቀሓሉ ኣይንንቀሓሉ ንሓደ ፍሉይ ዕላማ ፈጢሩና ኣሎ። ክፉእ (ሓዊ) ንምረፅ ቕዱስ (ማይ) ባዕልና ክንመርፅ ድማ ናጽነትና ነዓና ሂቡ ፈጢሩና። ምስኡ ንራኸበሉ ረቂቕ ጥበብ ብስውር ኣቕሚጡ ብግዚኡ ፅቡቕ ገይሩ ሰሪሑ ሚስጢሩ ጥበበኛ ኮይንና ክንረኽቦ መንፈሳዊ ጥበብ ኣቕሚጡልና።
ኣነ’ውን ዝገበርኩዎ ’ዚ እዩ። ብኣምሳለይ ንሓደ ፍሉይ ዕላማ ሓደ ገፀ ባህሪ ፈጢረ። ክፉእን ፅቡቕን ባዕሉ ዝመርፀሉ ነፃነቱ ድማ ሂበዮ ። ስለዚ ኣነ ብኣምሳለይ (ብኣምሳልኩም) ዝፈጠርኩዎ ሙሴ (ወድብርነሽ) ገፀ ባህሪ ኣነን ንስኻትኩምን ኢና ማለት እዩ።
ዘይተፈጠረ ፈጣሪና ምሳና ዝህልዎ ስውር ርክብ ኣነ ደራሲ ንዝፈጠርኩዎ ገፀ-ሰብ ዝገብሮ ርክብ ዘርኢ እዩ።
ብምዃኑ’ውን ፈጣሪ (ደራሲና) ናይ ነብሲ ወከፍና ስቓይን ሕማምን ከመይ ከምዝተሰከመ፤ ንሕና ድማ ከመይ ሸኽሚ ክንኾኖ ከምእንኽእል ከሪእየና ዝኽእል ቕዲ ኣፀሓሕፋ ኮይኑለይ። ብምዃኑ’ውን ንሙሴ (ወዲ ብርነሽ) ዝፈጠርኩዎ ንሱ ግን ገና ከማይን ከማኹምን ዘይተገለፀሉ ዕላማ ብሚስጢር ክነግረኩም እየ።
ሰባኺ ክኾነለይ ፍሉይ ክእለት ሂበ ፈጢረዮ። ንሱ ግን ከማይን ከማኹምን እዚ ከይተገለፀሉ ብዝሃብኩዎ ባዕሉ ናይ ምምራፅ ነፃነት ተጠቒሙ መምህር፣ መርማሪ ፖሊስ፣ እናኾነ ኣፀጊሙኒ።
ልክዕ ንፈጣሪና ከምንሙጉቶ እዚ ዝፈጠርኩዎ ገፀ ባህሪየይ ድማ “ፈጢርካኒ’ምበር መዓዝ ፅዒርካለይ?” እናበለ ሞጊቱኒ። ነዚ ዝፈጠርኩዎ ዝፅዕረሉ ንሱ ግን ዘይተገለፀሉ ልፍዓተይ ክገልፀልኩምን ከፍልጠኩምን ኣብ ሞንጎ ሞንጎ እቶም ሓፀርቲ መስ-ሓቅታት ልቢወለድ ኣነ ደራሲ ክመፀኩም እየ። እዛ መፅሓፍ ‘ፍቕሪ እቲ ደራሲ’ ዝበልኩላ ምኽንያት’ውን ነዚ እዩ።
ብኣይ ብዝተፈጠርኩ ፈጣሪን (ደራሲን) ብምናብ ዝፈጠርኩዎ ፍጡር (ገፀ ባህሪየይ)ን ኣቢለ ንኹልና ዝፈጠረና ዘይተፈጠረ ፈጣሪ(ደራሲና) ስውር ልፍዓቱን ፍቕሩን ከም ካሜራ ቀሪፁ ኣብ መስኮተ ምስሊ (ስክሪን) ዓይነ ልቦናኹም ዘሪኤለይ ገላፃይ ርእሲ ኾይኑ ስለዝረኸብኩዎ እዩ።
$30.34

Description

Reviews (0)
Only logged in customers who have purchased this product may leave a review.
More Offers
No more offers for this product!
Reviews
There are no reviews yet.