© Copyright 2020-2024 kulu1.com
ዘይዛሪ ውርርስ
ሓፂር መብርሂ ዛዕባ መፅሓፍ “ዘይዛሪ -ውርርስ”
ፀሓፊ እዚ መፅሓፍ ተጋዳላይ መለይ ኣማረ (ኮ/ል) ይባሃል። አዚ መፀሓፍ ዋና ዋና ትሕዝቶታቱ ብዝስዕብ ፅሙቕ ኢሉ ተፃሒፉ ኣሎ፦
እዚ ፅሑፍ ኣብ ርእሲ ህዝቢ ትግራይ፣ ብሓይሊታት ልፍንቲ ዝተፈፀመ ኩለመዳይ ፅንተት ማእኸሉ ዝገበረ እዩ። ኵናት ፅንተት በብመግለፂታቱ ኣብ መሰረታዊ ነገራት ተኸፋፊሉ ሰፊሩ ኣሎ፣ ቅድሚ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ኣብ ርእሲ ተጋሩን ትግራይን ዝተፈፀመ ኵናት ስነልቦና (ፕሮፖጋንዳ)፣ ትግራይን ተጋሩን ብ360 ዲግሪ ብምኽባብን ምዕፃውን ኩሉ ዓይነት ኣገልግሎታት ምቁራፅ ቀዳሞት ስጉምቲታት፣ እዞም ዝተብሃሉ ድሕሪ ምርግጋፅ ብሕጊ ምኽባር ተሳቢቡ ዝቐፀለ ኵናት ወታሃደራዊ ወፍሪ ኣጀማምሩኡን ቀፃልነቱን ብዝርዝር የነፅር። ብኻልኦት መዳይ ፅንተት ግፍዓዊ ቅትለት ሲብላት ተጋሩ፣ ዕስለኣዊን ግፍዓዊን ፆታዊ ጥቕዓት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ፣ውራ፣ ዕንወት ሃፍቲን ትካላትን፣ኣብ ቅርስታት ትግራይ ዘጋጠመ ውራን ዕንወትን፣ ካብ መረበት ምፍንቓልን ስደትን ወዘተ ብዝርዝር ይገልፅ። ዘጋጠመ ከቢድ ቅልውላው ስነልቦናን ካልኦት ኣሉታዊ ውፅኢትን እውን ክንፀባረቕ ተሞኪሩ።
ብኣንፃሩ መኸተ ተጋሩ ኣንፃር ፅንተት ዘርዚሩ የቐምጥ፣ ጅግንነትን ፅንዓትን ትግራዎት ይትንትን፣ጅግንነትን ዋልታነትን ሰራዊት ትግራይ ዝምልከት እውን ሰፊሩ ኣሎ። ውሁድነት እቲ ነባርን ሓዱሽ ወለዶን ዝፈጠርዎ ታኣምርን ደሚቑ ተቐሚጡ ኣሎ፣ ደጀንነት ዝተፈላሉዩ ሕብረተሰብ ትግራይ ዲያስፖራ ኣካቲቱ ብዝርዝሩ ተተንቲኑ ሰፊሩ። ኣብዚ ፅሑፍ ሓፂር ድሕረ ባይታ ለካቲት 11/1967 ዓ.ም. ብምቕዳም ኩነታት ዓመታት 27 (1983-2010 ዓ.ም.) ተኻቲቱ ይርከብ። ኣብ ናይ መወዳእታ ገፃት ሚሽጥር ዓወትና እንታይ እዩ?ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ናብ ነዊሕ ድሕረ ታሪኽ ትግራይ ምልስ ኢሉ ውርርስ ትግራዋይነት ክድህሰስ ተሞኪሩ ኣሎ። እቲ መፅሓፍ ፅንተት ከይርሳዕ ከይድገም፣ በትሪ ወያነ፣ በትሪ ጅግንነትን ፅንዓትን ንመፃኢ ወለዶ ከመይ ይወራረስ ብዝምልስ ተቐሚጡ ኣሎ። ተጀሚሩ ዘሎ ከይዲ ድርድር ሰላም ብሓፂር ተጠቒሱ ኣሎ።ካሊእ ኣብዚ ፅሑፍ ዓብዪ ትኹረት ረኺቡ ሰፊሩ ዘሎ ካብ ዓመታት 27 ጀሚሮም ክሳብ ምድላው መኸተን ከይዲ መኸተን ዝነበሩ ሕፅረታት መሪሕነትን ካልኦት ሽግራትን ተነፂሮም ተቐሚጦም እዮም።
ፀሓፊ እዚ መፅሓፍ ኣባል ሰራዊት ትግራይ ኮይኑ ጐድኒ ጐድኒ ምግዳሉን ከም ኣካል መኸተ ቆፂሩ ዝፃሓፎ እዩ፣ካብ ሽያጥ ገንዘብ ኣብ ከይዲ ኵናት ጥቕዓት ንዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ኣካል ሕውየት ኮይኑ ክውፈ ወሲኑ። ተጋዳላይ መለይ ኣማረ ቅድም ኢሉ እውን ብኣምሓርኛ “ብሶት የወለዶው”ብቛንቛ ትግርኛ “ወፅዓ ዝወለዶ“ ዝብሉ መፃሕፍቲ ንንባብ ኣብቂዑ እዩ። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዘ ዞም ክልተ መፃሕፍቲ እውን ብተመሳሳሊ ኣድራሻ ንድያስፖራ ክላኣኹ እዮም።
በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ሃገረ ካናዳ ዝነብር ሓውና ዳኒኤል ሙዘይ ፅሑፋት ተጋሩ ናብ ዲያስፖራ ክበፅሑን ኣብ ትግራይ ዘሎ ክፍተት ሕትመት ክሽፍን ተበግሶ ምውሳዱ ፀሓፊ እዚ መፅሓፍ የመስግን።
$30.34

Description

Reviews (0)
Only logged in customers who have purchased this product may leave a review.
More Offers
No more offers for this product!
Reviews
There are no reviews yet.