Lovely spoken English
Lovely spoken English ካብ ከጂ 1 ክሳብ 2ይ ክፍሊ ንዘለው ተምሃሮ ዝተዳለወ መፅሓፍ እዩ፡፡እዚ መፅሓፍ ካብ ካልኦት ናይ ህፃናት እንግሊዘኛ መፅሓፍቲ ዝፈልዮ ኣነባብባን ትርጉምን ካብ ምክታቱ ብተወሳኺ ዝተመረፁ ርእስታት ነቲ ደረጃ ዝምጥኑ እዮም፡፡ዝተመረፁ ቃላት እውን ቅልል ዝበሉ እዮም፡፡እቲ ፅሑፉ እውን ንህፃናት ብዝጥዕም ፍርይ ዝበለ እዩ፡፡ኣብዚ መፅሓፍ አተሓሕዛ ብርዒ፣ ልምምድ ኢድ ፅሕፈት፣ ቁፅርታት፣ መዓልትታት ሰሙን፣ ኣዋርሓት ዓመት፣ኣቁሑት መምሃሪ ክፍሊ፣ ኣቁሑት ገዛ፣ክዳውንቲ፣ መሳርሕታት ሕርሻ፣ኣሕምልትን ፍራምረን፣እንስሳ ዘቤት፣ እንስሳ ዘገዳም ወዘተ ዝበሉ ቀለልቲ ናይ ቋንቋ ልምምዳት ዘካተተ እዩ፡፡እንግሊዘኛ ቋንቋ ብቅልጡፍን ብዘተኣማምንን ኩነታት ንምዝራብ እዚ ሓጋዚ መፅሓፍ እዚ ወሳኒ እዩ፡
$18.86
