© Copyright 2020-2024 kulu1.com
ብሄራውነት
ብሄራውነት ትግራይ ንወለዶታት ብዙሕ ዋጋ እናተኸፈለሉ ዝመጸ ውርሻ እንተኾነ እውን፣ ክልሰ ሓሳብ ብሄራውነት ኣብ ትግራይ ብንጹሩ ተተንቲኑ ብዘይምቕራቡ ግና እቲ ቃልሲ ብሄራውነት መጋበሪያ ውልቃዊ ዕላማ ሥነ መንግስተኛታት ካብ ምዃን ምድሓን ኣይተኽኣለን። ብሄራውነት ብሓጺሩ መንነትን ህላወን ሓደ ብሄር ምዕቃብ ዕላምኡ ዝገብር ሥነ መንግስታዊ ምንቅስቓስ እዩ። እዚ ህላወ ምዕቃብ ዘድልዮ ድማ ስኽ ኢሉ ዝኾነ ሓበራዊ ውርሻ ንምዕቃብ ዘይኮነስ፣ ንውልቃዊ ረብሓ ኣባላት እቲ ብሄር እንትበሃል እዩ። ውልቃዊ ረብሓ ዕላማ እንተኾይኑ ንምንታይ ብሄራውነት ኣድለየ ንዝብል መልሱ ግልጺ እዩ፡ ሰባት ሓንሳብ ኣብ ሓደ ብሄራዊ ዓውዲ ምስ ተፈጥሩ ካብዚ ብሄራዊ ዓውዲ ወጻኢ ውልቃዊ ረብሖኦም ምውሓስ ኣብዛ ዘለናላ ናይ ብሄራት ዓለም ብጭቡጥ ዓቐብ ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ እዩ። ካብ ብሄራዊ ኮነ ካብኡ ብታሕቲ ቀቢላዊ እውን እንተኾነ መንነት ወጻኢ ዝኾነ ህላወ ስለ ዘየለን፣ ኣብ ዘበናዊ ዓለም ድማ ብሄራዊነት ዘይብሎም መንግስታት ስለ ዘየለዉን፣ ንብሄራዊ መሰል ዘየኽበርካ ንውልቃዊ መሰላት ምኽባር ዘይሕሰብ ምዃኑ ዘገርም ኣይህልዎን። ስለዚ ብዛዕባ ረብሖኦም ዝግደሱ ህዝቢታት፣ ብዛዕባ ብሄራውነቶም እውን ክግደሱ ግቡእ ይኸውን።
$28.12

Description

Reviews (0)
Only logged in customers who have purchased this product may leave a review.
More Offers
No more offers for this product!
Reviews
There are no reviews yet.