ፅውፅዋይ ትግራይ
ንባህሊ፣ ታሪኽ፣ እምነት፣ ፍልስፍና፣ ስነ ጥበብ፣ ዳይነትን ስርዓት ምምሕዳርን ከምኡ’ውን
ንባህጊን ኣታሓሳስባን ትግራዎት ካብ ዘንፀባርቑን፤ ንሕሉፍ ምስሊታት ወለድና ከም መስትያት
ኮይኖም ነዚ ሕዚ ዘሎ ወለዶ ካብ ዘመሓላልፉን ስራሕቲ ነቶም ኣርብዓ ታሪኻት ኣሰናዲኦዮም
ኣሎኹ፡፡ እዚ ንምልየኑን፣ ፈትሊ ሓቂ፣ ቃል ኪዳን፣ ምትሃት ፍቕር፣ ፍርዲ ሚካኤል ስሑልን
ካልኦት ነበረያ ነበረን ዝሓዘ መፅሓፍ እዩ፡፡ ኣብዚ መፅሓፍ ቀሪቦም ዘለዉ ገና ኣፈይ እንተየፅረኹ
ኣደዋይ ብቃላ ዝመገበትኒን ኣብ ኣእምሮይ ዝቐረፀትለይን ዛንታታት እዮም፡፡ ናይዞም ታሪኻት
በዓል ሃፍቲ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ርዱእ እኳ እንተኾነ ብዘይካ ተራኽነት ኣደዋይ ናብ ፅሑፍ
ክበቕዑ ኣይምኸኣሉን ነይሮም፡፡ ስለዝኾነ ድማ በዓል ዋና ሞገስ ናይ’ዚ ስራሕ ኣደዋይ ፀሃይነሽ
ተስፋይ ምዃና ክገልፅ እፎቱ፡፡
$24.64
